ዋሽንግተን —
ጠቕላላ ቤት ፍርዲ ብራዚል፡ ንማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (ናይ ቅድም ትዊተር) ኣብታ ሃገር ክኽልኸል ብሓደ ካብ ደያኑ እቲ ቤት ፍርዲ ንዝሓለፈ ብያን ትማሊ ሰኑይ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።
ኣብ መንጎ እቲ ብኤላን ማስክ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢን ቤት ፍርዲ ብራዚልን ክከይድ ዝጸንሐ ክርክር፡ ኤክስ ከም መቕጻዕቱ’ውን ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዶላር ክኸፍል እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ ኣሎ።
ፈለማ ኣብ መንጎ ቤት ፍርዲ ብራዚልን ማሕበራዊ መራኸቢን ኤክስን ክርክር ዝተላዕለ ነቶም የማናውያን ጽንፈኛታት ካብቲ ማሕበራዊ ገጽ ክኽልከሉ እቲ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምሕታቱ’ዩ። እንተዀነ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ተግባር ምስ ክልከላ ሓበሬታ (ሰንሰርሺፕ) ስለዘተኣሳሰሮ ነቲ ተግባር ተቓዊሙ ጸኒሑ’ዩ።
ንዕኡ ስዒቡ ኣብ መንጎ ወናኒ ኤክስ ዝዀነ ኢላን ማስክን ቤት ፍርዲ ብራዚልን ነዊሕ ዘዘራረበ ጉዳያት ጸኒሑ’ዩ። ዓሰርተታት ሚልዮናት ናይቲ ማሕበራዊ ገጽ ተጠቀምቲ ዘለዋ ብራዚል፡ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ዕዳጋ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ምዃና ይፈለጥ።