ፈረንሳ : ኣብ መንጎ ኤርትራዊያንን ኣፍጋኒስታናዊያን ስደተኛታት ብዝተፈጥረ ግጭት 4 ሰባት ምቑሳሎም ተሓቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ፈረንሳ : ኣብ መንጎ ኤርትራዊያንን ኣፍጋኒስታናዊያን ስደተኛታት ዘጋጠመ ግጭት 4 ምቑሳሎም ተሓቢሩ

ኣብ ናይ ፈረንሳ ወደባዊት ከተማ ካሊያ ኣብ መንጎ ኤርትራዊያንን ኣፍጋኒስታናዊያን ስደተኛታት ግጭት ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ብዝተተኮሰ ጥይት ኣርባዕተ ሰባት ምቁሳሎም ተገሊጹ።

እቲ ተኹሲ ካብ መን ከምዝተተኾሰ ብንጹር እንተዘይተገለጸ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ግን ፖሊስ ነቲ ግጭት ንምብታን ጣልቃ ምእታው ሓቢሮም አለው።

ብሰንኪ ናይ ቛንቛን ናይ ባህሊን ፍልልይ ኣብ መንጎ ስደተኛታ ት ብተደጋጋሚ ግጭት ከምዘጋጥም ይግለፅ።

ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ካሊያ ካብ 600-800 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዘለው ይሕበር።