ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጸሓፊ ደመን ጋልጎት ተዓዋቲ ሽልማት ስነ-ጽሑፍ ቡከር ኰይኑ

Author Damon Galgut

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጸሓፊ ደሞን ጋልጎት ነቲ ድሕሪ ሽልማት ኖበል ስነ-ጽሑፍ ዓቢ ተቐባልነት ዘለዎ ሽልማት ቡከር ተዓዊቱ ኣሎ።

ንጋልጎት ናብ ሽልማንት ዘብቅዓቶ “ዘ ፕሮሚስ” እትብል መጽሓፉ’ያ። ንሳልሳይ እዋኑ ነዚ ሽልማት ዝርቋሕ ዘሎ ጋልጎት : ልዕሊ 68-ሽሕ ዶላር ክሽለም እንከሎ፡ ስሙ ድማ ኣብ መስመር ቀዳሞት ተዓዋትቲ እዚ ውድድርን ዳሕራይ ድማ ሽልማት ኖበልን ዝዀኑ ደቂ ሃገሩ ናዲን ጎርዲመን ጂ.ኤም. ኮትዚን ይጽንብር ምህላዉ’ዩ።

ጋልጎት ተዓዋቲ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጡ፡ “ተዓዋቲ እዚ ሽልማት ምዃነይ፡ እዚ ዓመት ንኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ጽቡቕ ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ነዚ ሽልማት ድማ ንስለቲ ዝተነገርን ገና ዘይተነግረን ዛንታታት አወፍዮ ኣለኹ። ኣነ’ውን ኣካሎም ዝዀንኩ፡ ዝተፈልጡን ገና ዝግበኦም ክብሪ ዘይረኸቡን ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ኣለዉ። ብዙሕ ዘይተነግረ ዛንታታት ስለ ዘሎ ድማ ምስማዕ ኣይተቋርጹ፡” ኢሉ ተዛሪቡ

ሶማሊያ-እንግሊዛዊት ናዲፋ መሓመድ ካብቶም ናይ መጨረሽታ ሕጹያት ናይዚ ውድድር’ያ ነይራ። ዓሚ’ውን ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያዊት-ኣመሪካዊት ማእዛ መንግስተ ንመጨረሽታ ሕጸ እዚ ውድድር በጺሓ ነይራ።