ዋሽንግተን —
ኣብ ካናዳ ድሕሪ ምእታው ናብ ዓውዲ ሕክምና እኳ ገዓዘ፡ ኣብ ኤርትራ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ከም ጋዜጠኛ ዝሰርሐ ኣቤል መድሃኔ ገብረየሱስ፡ ድሕሪ ናይ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ምረቓኡ፡ ማዕረ ብዙሓት መዛኑኡ ኤርትራውያን ብዝሓለፉዎ መንገዲ ዘጊሩ’ዩ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት እምበኣር “Time Went by 'Like This'” ብዝብል ኣርእስቲ ሓጸርቲ ውልቃዊ ተጓንፎታቱ ኣብ ኤርትራን ስደተን ዝሓዘለት መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ ኣሎ። ኣቤል ዝሓለፈ ሰሙን ነታ መጽሓፍ ንምምላይ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ መጺኡሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተዳለወ ቃለ-መሕተት መደብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።