ድሕሪ ዘይዕውት ዕልዋ መንግስቲ ቦልቭያ ሓደ ጀነራል ኣብ ቐይዲ ኣትዩ

ኣብ ቦልቭያ ዕልዋ መንግስቲ ዝዓለመ’ዩ ክብሉ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ዝገለፅዎ “ዲሞክራሲ ንምምላስ” ብዝብል ብሓደ ላዕለዋይ ጀነራል ዝተመርሐ ብዱሩዓት ወታሃደራዊ መኻይን ዝተሰነዩ ወታሃደራት ኣብ መዓፁ ቤተ-መንግስቲ ትማሊ ረቡዕ ተኣኪበን ድሕሪ ምርኣየን ቀልጢፈን ንድሕሪት ከም ዘንሰሓባ ተገሊፁ። እዚ ነታ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላው ዘላ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር ዳሕረዋይ ተወሳኺ ቅልውላው ኮይንዋ'ሎ።

ኣብ ውሽጢ ሰዓታት እታ 12-ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እቶም ወታሃደራት ስልጣን መንግስቲ ንምቑፅፃር ዘኽእሉ ዝመስል ምርኢት’ያ ኣተኣናጊዳ ። እቶም ወታሃደራት ምስተን ወታሃደራዊ መኻይኖም ንድሕሪ ብምንስሓብ ድሕሪ 3-ሰዓታት ነቲ ኩነታት ከብቅዕ ከምዝገበርዎ ተገሊፁ’ሎ።

ፕረዚደንት ሉዊስ ብፅንዓት ደው ከም ዝብሉ ቃል ብምእታው ሓድሽ ኣዛዚ ሰራዊት ሸይሞም’ለዉ። ድሕሪ’ዚ ፀኒሖም ትማሊ ረቡዕ ሚኒስተር ምክልኻል’ታ ሃገር ኤድመንድ ኖቪሎ “ሕጂ ኩሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር' ዩ” ኢሎም’ለዉ።