ኢትዮጵያ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ሎሚ ሃገራዊ ህልውነኣ ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ወዲቑ’ሎ ኢሉ ተቓዋሚ ሰማያዊ ፓርቲ።ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ኢህወዴግ ኣብ ብሄርን ቋንቋን መሰረት ገይሩ ዘጠየሾ ስርዓት ፌደራል እዩ ክብል ኸሲሱ’ሎ።
እቲ ፓርቲ ሎማዕንቲ ኣብ ዝፅውዖ ጋዜጣዊ መግለፂ ‘’ኢትዮጵያ ኣብ ናይ 26 ዓመታት ስልጣን ዘመን ኢህወዴግ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ውድቀታ እናተሳለጠ ምዃኑ ብጋህዲ ንርእዮ ኣለና’’ኢሉ’ሎ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ኣብ ዘርእን ቋንቋን ዝተመስረተ ፌደራሊዝም ነታ ሃገር ኣብ መንቀራቕሮ ኣትዩዋ’ሎ ኢሎም።
“ሕቶ መንነት ወልቃይት፣ሕቶ መንነት ማሕበረሰብ ቅማንት፣ኣብ ዞባታት ገዴ፣ጉጂ ዝለዓሉ ናይ ነገዳት ግጭት፣ሎሚ ድማ ኣብ ዶብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማልያን ዝተለዓሉ ግጭታት ንህይወት ዜጋታት እናጥፍአ ይርከብ።ኢህወዴግ ነቲ ህዝቢ ብዘርኢ እናራፀመ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ዝወጠኖ እከይ ነታ ሃገር እናሓመሳ ይርከብ።”
ንሶም ብምውሳኽ እዚ ንናይ ሃገር ህልውና ኣዚዩ ሓደጋ ስለዝኾነ ንህዝቢ ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ኣካል ብቕልጡፍ ሃገራዊ ምርድዳእ ክፈጥር ንሓትት ኣለና ኢሎም ።
ብኻልእ ወገን ድማ ሰማያዊ ፓርቲ ምርጫ ቦርድ ዝመርሖ 7 መስከረም 2010 ዓ.ም ዝካየድ ናይ ቅማንት ማሕበረሰብ ውሳነ ህዝቢ እቲ ቦርድ ገለልተኛ ሰለዘይኮነ ፍትሓውን ነፃን ህዝበ ውሳነ ትፅቢት ኣይገብርን ምባሉ ተገሊጹ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5