ዋሽንግተን —
ልዕሊ ፍርቂ ሃገራት ዓለም ምርጫ ኣብ ዘካይድሉ ዓመተ 2024 ንማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዊሱ ዝተኣታተው ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንስግኣት ግጉይ ሓበሬታ ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ዓብይ ጌሩዎ'ሎ ክብሉ ኣብ ደቡብ ኮርያ ንዋዕላ ዲሞክራሲ ዝተረኽቡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሮም።
ኣብቲ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ዲሞክራሲ ዝተረኽቡ ብሊንከን ንሩስያን ቻይናን ኣብ ዓለም ንዝርአ ወፍሪ ምቑፅፃር ሓበሬታ ኣመልኪታ ኣመሪካ ንዘቅረቦቶ ክሲ ደጊሞሞ’ለዉ። ገለ ሰበ-ስልጣን ኣውሮጳ’ውን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብምጥቃም ስኑዕ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ንሩስያ ከሲሶማ’ለዉ።
ነቲ ኮነ ኢልካ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ግብረ-መልሲ ምሃብ ኣድላይ እዩ ግን እኹል ኣይኮነን ዝበሉ ብሊንከን ንሓሶት፡ ምድንጋራትን እናመከትና ንዘላቂ ዘተኣማምን መስርሕ ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ዋዕላ ዲጂታል ስግኣት፡ ብኸመይ ቴክኖሎጂ ኣብ ምስጓም ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ መዓላ ምውዓል ከምዝከኣልን ቀንዲ ዛዕባ ከምዝኸውን ተገሊፁ’ሎ። ኣብቲ ዋዕላ ኣመሪካ ሓዊሱ ወከልቲ ልዕሊ 30-ሃገራት ይሳተፉ’ለዉ።