ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ልዑል ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ልዑል ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሰሉስ 7 ሰነ 2023 ስዑዲ ዓረብ ኣትዮም።

ብሊንከን ኣብዚ ዑደቶም ነቲ ኣብ መንጎ ሪያድን ዋሽንግተንን ዘሎ ዝሓርፈፈ ዝምድና ብዝምልከት ንምዝታይ ምስ ልዑል መሓመድ ቤን ሳልማን ተራኺቦም'ለዉ።

ብሊንከን ንኻልኣይ ጊዜ ንስዑዲ ዓረብ ዝበጽሑ ዘለዉ ስዑዲ ዓረብ ንኣመሪካ ሸለል ብምባል ናይ ባዕላ ውሳነታት ትወስደሉ ኣብ ዘላትሉ ሕጂ እዋን እዩ።