ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ኣኼባ ኔቶ ንምስታፍ ብራስልስ ኣትዮም

  • ዜና ቪኦኤ

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ኣኼባ ኔቶ

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኣኼባ ሚንስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ(ኔቶ) ንምስታፍ ሎሚ ረቡዕ ቤልጂየም ኣትዮም።

ብሊንከን ትማሊ ሰሉስ ምስ ዋና ፀሓፊ ኔቶ የንዝ ስቶልተንበርግ ተራኺቦም ኔሮም። ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ንዩክሬይን ብገንዘብ ንምሕጋዝ ዝግበር ፃዕሪ ፍልልያት ይፍጠር ኣብዘለሉ ኣመሪካ ንዩክሬይን እትህባ ደገፍ ዘለዎም እምነት ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ብራስለስ ርእይቶም ዝሃቡ ብሊንከን ዩክሬይን ኣንፃር ወራር ሩሲያ ንምምካት እተካይዶ ውግእ እንህቦ ሓገዝ ብፅኑዕ ክነረጋግፅ ኢና ኢሎም። ዝቕፅል ዓመት ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝኽበር መበል 75 ምምስራት ኔቶ ክንኽብር ኢና፡ ምኽባር ጥራሕ ዘይኮነ ድማ እቲ ጥምረት ናብ ቅድሚት ክነሰጉሞ ኢና ኢሎም ።

ብሊንከን ሎሚ ረቡዕ ናብ ማቆደኒያ ከምርሑ እዮም። ቀፂሎም ድማ ናብ እስራኤል ብምጉዓዝ እስራኤል ንርእሳ ንምክልኻል ዘለዋ መሰል፣ ብዛዕባ ኩነታት ጭውያን ኲናት እስራኤል ሓማስ ከሰፍሕ ንምክልኻልን ዘሎ ኣድልያነት ክዘራረቡ እዮም።