ፕረ.ትራምፕ ብትውልዲ ዝርከብ ዜግነት ኣመሪካ ከብቅዕ ይደፍኡ
Your browser doesn’t support HTML5
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ ብምውላድ ዝርከብ መሰል ዜግነት ንከብቅዕ ዝፈረምዎ ፈፃሚ ትእዛዝ ሕጋውን ፖለቲካውን ክትዕ ኣልዒሉ'ሎ። መበል 14 ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተወለደ ዝኾነ ይኹን ቆልዓ ዜግነት ኣመሪካ ከምዝረክብ የረጋግፅ። እቲ ሕጊ ካብ 1868 ኣትሒዙ ኣብ ስቪላዊ መሰላት ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎም መሰረታዊ ስርዓት እዩ.።