ህወሓት ዝፈፀመቶ ታሪኽ ኣብ ምምዝጋብ 5 መራሕቲ ወሳኒ ግደ ነይሩዎ ይብሉ ኣቶ ብስራት ኣማረ

  • በትረ ስልጣን
ብመግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኸስዎም ወገናት ክንፀጉ ኣለዎም'ውን ይብሉ ( ካልኣይ ክፋል)

ታሪኻዊት ሰነድ ”ፍኖተ-ገድሊ” ብኣቶ ብስራት ኣማረ ዝተሰነደት ታሪኻዊት መፅሓፍ‘ያ።ኣብ ውሽጣ ኣካታዒን ኣሳሓሓቢን ነጥብታት ሓቊፋ‘ላ እታ መፅሓፍ።

ኲናት ዓድዋ ብመንፅር ክብርን ጥቅሚን ኢትዮዽያ ምርኣይ እንተተካኢሉ፣ ንኣፍሪቃውያን ዝህቦ ትርጉም ዓብዪ‘ዩ፣ኣውሮዻዊት ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ምስዓራ ንኣፍሪቃውያን ዘሕብን‘ዩ፣ብመንፅር ዘላቂ ረብሓ ኢትዮዽያ ግና፣ ኣይጎድአን ኢልካ ንምዝራብ ኣፀጋሚ‘ዩ።ሃገር ኣብ ክልተ ተመቂላ‘ያ ይብሉ ኣቶ ብስራት ኣማረ።

ኣብ 17 ዓመት ቃልሲ ህወሓት ኣቶ ኣረጋዊ በርሀ (በሪሁ) ኣቶ ስብሓት ነጋ፣ኣቶ ግደይ ዘርኣፅዮን፣ ኣቶ ኣባይ ፀሃዬን ኣቶ ስዩም መስፍንን ኣምልኾተ-ሰብ ተቖፃፂሮም ንረብሓ'ቲ ውድብ ሰሪሖም ኢላ'ውን ትንእድ ፍኖተ-ገድሊ።

ነቐፍቲ ግና ኣምልኾተ-ስብ ብኣምልኾተ-ውድብ ተኪኦም ናፃ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ትግራይ ንከይፍጥር ዕንቅፋት ኮይኖም ኢሎም ይወቅሱ።