ኢማራት ኣብ ወፍሪ ጽሩይ ጸዓት ኣፍሪቃ 4.5 ቢልዮን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣትያ

Your browser doesn’t support HTML5

ኢማራት ኣብ ወፍሪ ጽሩይ ጸዓት ኣፍሪቃ 4.5 ቢልዮን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣትያ

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኣብ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ወፍሪ ጽሩይ ጸዓት 4.5 ቢልዮን ዶላር ከምትህብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ክሊማ ኣፍሪቃ ቃል ኣትያ። እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ተኽእሎ ምምንጫው ሓምላይ ፀዓት ንምርኣይ ዝካየድ ወፍሪ ንምሕጋዝ ምዃኑ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብወገኖም እታ ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ክሊማ ኣፍሪቃ ነቲ ምስሊ'ታ ኣህጉር ዝቕይርን ጽሩይ ጸዓት ንኣፍሪቃ ፍሉይ ዕድል ምዃኑ ንምርኣይ ፈቲኖም፤።