ሕጹያት ዝመጽእ ምርጫ ኣመሪካ ንእስራኤል ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ሕጹያት ዝመጽእ ምርጫ ኣመሪካ ንእስራኤል ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ

ሕጹያት ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን፣ ምስ’ታ ኣብ ኵናት ቓዛን ተጻብኦ ምስ ኢራንን ተጸሚዳ ዘላ እስራኤል ከምዝድግፉ ይገልጹ።

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲን፣ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕ ዝሕልዋ ተራን፣ ኣብቲ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ መን እዩ ንእስራኤል ዝድግፍ፧ ዝብል ሕቶ ኣበጋጊሱ ኣሎ።

ከም መጠን ፕረዚደንት፣ ጆ ባይደን፣ ኣመሪካ ትህቦ ግብረ መልሲታት ናይ ምፍጻም ስልጣን ኣለዎም። ኣመሪካ ኣብ ጎኒ እስራኤል ከምዘላ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዒራቕ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ደጊሞም ኣረጋጊጾም እዮም።