ዋንነትን ተጠቃምነት ብረት ኣብ እዋን ፕረዚደነታዊ ምርጫ ኣመሪካ ወትሩ ካብ ዘዘራርቡ ዛዕባታት’ዮም። ጆ ባይደን ንኽልከላን ተሪር ምቍጽጻርን ኣጽዋር ዝጣበቕ ክኸውን እንከሎ፡ ዶናልድ ትራምፕ ግን እቲ ሓሳብ ኣንጻር ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ’ዩ ኢሉ ይምጕት። ነቲ ዘሎ ክትዕ መሊሱ ዘግደዶ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ወዲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝዀነ ሃንተር ባይደን ብረት ንምግዛእ ብዛዕባ ዝሃቦ ጌጋ ምስክርነት ብቤት ፍርዲ በደለኛ ኰይኑ ድሕሪ ምፍርዱ’ዩ።
ብሰሉስ ንዝተረረ ቍጽጽር ብረት ዝጣበቑ ጕጅለ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተረኺቦም ነይሮም። ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ጉጅለ ብዛዕባ ምትራር ሕጊ ኣብ ምውናን ብረት ምስኣቶም ከም ዝሰማምዕ ብምግላጽ፡ ምምሕዳሩ ክሰርሕ ምዃኑ ሓቢሩዎም።
“ተሓለቕቲ ምውናን ብረት፡ ኣፍረይቲ ኣጽዋር፡ ፖለቲከኛታትን ንዝሓየለ ቍጽጽር ብረት ዝቃወሙ ኣካላትን ኣብ ዝረኣዩሉ ንስኹም ልዕሊኦም ሓይሊኩም ክትወጽኡ ተስፋ እገብር።”
ባይደን ኣብ ኣውቶማቲካዊ ጠበናጁ ፈደራላዊ ክልከላ ክግበር’ዩ ዝጽውዕ። ኣብ ርእሲኡ፡ ንመቀናቕንቱ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ንኣልኮል፡ ሽጋራን ኣጽዋርን ዝቆጻጸር መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ምዕጻዎም ይነቅፍ።
“ኣብ ገሊኡ ተጣበቕቲ ሕጊ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ኣፍረስቲ ሕጊ ምዃን ኣይከኣልን’ዩ። ንኽልቲኡ ብማዕረት ክትፍጽሞ ምፍታን መርመም’ዩ።”
ማእከል መጽናዕቲ ፒው ከም ዘምልክቶ፡ ኣስታት ሓደ ሲሶ ኣመሪካውያን ብረት ይውንኑ።
ማሕበር ወነንቲ ብረት (National Rifle Association) ኣብ ኣመሪካ ንምዕጣቕ ብረት ዝጣበቕ ዝሓየለ ማሕበር’ዩ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ምስዚ ማሕበር ርክብ ገይሩ ነይሩ። ባይደን ብረቶም ንኽፈትሑ ከም ዝምነ’ዩ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹሎም።
"ስርዓት ባይደን ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ስልጣን እንተ ጸኒሑ፡ ናብ መሳርያታትኩም’ዩ ክመጸኩም። ብዛዕባ’ዚ 100% ኣረጋጊጸ ክዛረብ እኽእል’የ።”
ትራምፕ እንተ ተመሪጹ ግን ኣብ ኣመሪካ ንዝሰፈረ መሰል ምውናን ኣጽዋር ወይ ድማ በቲ ልሙድ መጸውዒዑ Second Amendment ከውሕሶ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
“ንሳቶም እንተተመሪጾም ሃገርና ክትዓኑ’ያ። ሓደ ካብኡ እቲ ካልኣይ ቅዋማዊ ምምሕያሽ (Second Amendment) ኣብ ሓደጋ ክኣቱ’ዩ። ኣነ እንተለኹ ግን ናብኡ ገጾም’ውን ኣይክቐርቡን’ዮም።”
ነቶም ኣባላት እቲ ንምውናን ብረት ዝሕለቑ ኣዝዮም ጸለውቲ ማሕበር፡ ወነንቲ ብረት ኣብ ናይ ሕዳር ምርጫ ናብ ቤተ መንግስቲ ክመልስዎ ምዃኖም’ዩ ቃሉ ሂቡ።
ትራምፕ ንወነንቲ ብረት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃልን ንሳቶም ኣብ ምርጫ ክዕወት ክሕግዙዎ ምዃኖም ብምጥቃስን“ኣዝዮም ሃገራውያን’ዮም። ብሓቂ ደስ ዘብሉ ሰባት’ዮም። ብሳልኦም ድማ ቅድሚ ሎሚ ተገይሩ ዘይፈልጥ ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና። ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ ድማ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ጸብለልታ ድምጺ ክንዕሮ ኢና ”ኢሉ።
ባይደን ግን ትራምፕ ኣብ ቍጽጽር ኣጽዋር ብሰንኪ ዘርኣዮ ዝሕቱል ኣተሓሕዛ’ዩ ንኻልኣይ እብረ ስልጣን ዘይተመርጸ በሃላይ’ዩ።
"ቅድመይ ኣብ መዝነት ዝነበረ ሰብ ንማሕበር ወነንቲ ኣጽዋር ኣመሪካ ኣብ ምቍጽጻር ብረት ዝዀነ ከምዘይገበረ ብዅርዓት ነጊሩ። ኰይኑ ግን ዝዀነ ነገር ስለ ዘይገበረ’ዩ እቲ ኵነታት መሊሱ ገዲዱ።”
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ወዲ ፕረዚደንት ባይደን ዝዀነ ሃንተር ባይደን፡ ብሰሉስ ብረት ኣብ ምውናን ብዝሃቦ ጌጋ ምስክርነትን ብረት ኣብ ምግዛእ ግቡእ መስርሕ ብዘይ ምኽታሉን ብቤት ፍርዲ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዛዕባ ወዱ ሃንተር ባይደን ምስ ዘይሕጋዊ ምውናን ኣጽዋር ተኣሳሲሩ ብዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ኰይኑ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣይተዛረበን። እንተዀነ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝቕበሎ ገሊጹ ነይሩ። ሃንተር ባይደን ወዲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ገበነኛ ኰይኑ ብቤት-ፍርዲ ክውሰን ናይ ፈለማ ክስተት’ዩ። ሃንተር ምስቲ ቤት ፍርዲ ጥፍኣተኛ ኢሉ ዝወሰኖ ግብሪ ናይ ዘይምኽፋል ክሲ ተደማሚሩ ኣብ ቀረባ እዋን ፍርዱ ክቕበል ትጽቢት ይገብር።