ፕረዚደንት ባይደን ንኮቪድ-19 ዝምልከት ሓደስቲ ገደባት ከንብሩ ኢዮም

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ኣሜሪካ ፈላማይ ሓዱሽ ጭጋረት ኮሮናቫይረስ \ኦሚክሮን\ ኣብዝተርኣሉ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ሎማዕንቲ ሓሙስ ሓዱሽ ገደባት ከንብሩ እዮም።ናብ ኣሜሪካ ዝኣትው ዓለምለኸ ተጎዓዝቲ ጥቡቕ ምርመራ ክገብሩን ክታበት ዘይወሰዱ ክወስዱ ክደፍእሉን እዮም።

ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ሎማዕንቲ ሓሙስ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትው ዓለምለኸ ተጎዓዝቲ ጥቡቕ ምርመራታት ኮሮናቫይረስ ከካይዱ፣ብነፈርቲ፣ባቡርን ኣውቶቡሳትን ዝጉዓዙ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክ ክገብሩ ኣብቶም ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ሚሊዮናት ክታበታት ኮቪድ 19 ንካልኦት ሃገራት ምቕራብን ዕላዊ ክገብሩ እዮም።

ባይደን ምምሕዳሮም ኮቪድ 19 ብዝምልከት ዝሓዞ መደብ ኣብ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ኢንስቲትዩት ኣብ ዝካየድ ስነስርዓት ክገልፁ ትፅቢት ይግበር።ፈላማይ ሓዱሽ ጭጋረት ወይ ቫሪያንት ኣብ ዝተረኸበሉን ናይ ቁሪ ኣዋርሕ ዊንተር ይኣትው ኣብ ዘለሉን እዋን እዮም ነዚ ዝገልፁ ዘለው።

ቅድሚ ናይ ባይደን መደረ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ተጎዓዝቲ ቅድሚ ናብ ኣሜሪካ ምምፅኦም ካብ ኮቪድ 19 ነፃ ምዃኖም ቅድሚ ሓደ ማዕልቲ ክምርመሩ ኣለዎም ይብል።ቅድሚ ሎሚ ሰለስተ ማዕልታት ነይሩ።እቲ ሕጊ ንኣሜሪካዊያንን ወፃእተኛታት ሓደ እዩ።

ኣብ ህዝባዊ መጎዓዚያ ኣስገዳድ ምሽፋን ማስክ 18 ጥሪ 2022 ኣ\ፈ ከብቅዕ ነይሩዎ።ሕዚ ክሳብ መጋቢት ክናዋሕ ትፅቢት ይግበር።

መግለፂ ዋይት ሃውስ ከምዝሓበሮ ምምሕዳር ባይደን ኣብቶም ዝቕፅሉ 100 ማዕልታት ተወሳኺ 200 ሚሊዮን መጠን ወይ ዶዛት ክታበት ከቕርብ እዩ።ኣብ ኣሜሪካ ሰባት መሐየሊ ቡስተር ኮቪድ 19 ክወስዱ ንሰባት ናይ ምትብባዕ ፃዕርታት ክካየዱ እዮም።

ናይ ውልቂ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ዘለዎም ነፃ ናይ መመርመሪ ናውቲ ናብ ገዛውቲ ክቀርበሎም ምግባር ካሊእ ትልሚ ናይቲ ምምሕዳር እዩ።

ናይታ ሃገር ላዕለዋይ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማምትን ኣማኻሪ ፕሬዝዳንት ባይደንን ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መገልፂ መሐየሊ ሓዊሱ ሰባት ክታበት ክወስዱ ኣለዎም ኢሎም።

ኣብ ኣሜሪካ ክታበት ኮቪድ 19 ክወስዱ ዝኽእሉ ግን ድማ ዘይወሰዱ 60 ሚሊዮን ሰባት ኣለው፤ምውሳድ ቡስተር ብኦሚክሮን ዝተትሓዘ ሰብ ካብ ከቢድ ሕማም ክከላኸለሉ ከምዝኽል ዘእምን ምኽኒያት ኣሎ ኢሎም።

ብኦሚክሮን ጭጋረት ዝተትሓዘ ፈላማይ ሰብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ከምዝተረኸበ ሰበስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ ኣፍሊጦም ኣለው።እቲ ሰብ 22 ሕዳር 2021 ኣ\ፈ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝኣተወ ምዃኑን ሶኑይ ብምርመራ ምርግጋፁን ፋውቺ ወሲኮም ገሊፆም።ቅልል ዝበለ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ከምዘለዎን ዓርሰ ውሸባ ብምግባር ኩነታቱ ይመሓየሽ ከምዘሎን ወሲኾም ሓቢሮም።

እቲ ሓዱሽ ጭጋረት ኣብ ኣሜሪካ ሓዊሱ ኣብ 24 ሃገራት ተራኢዩ ኣሎ።ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ወፃእተኛታት ተጎዓዝቲ ጥቡቕ ናይ ጉዕዞ እገዳታት ወይ መሊአን ዝኸልከላ ሃገራት ተፀምቢራ ኣላ።ኦሚክሮን ንፈለማ ዝተርኣየ 24 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እዩ።

ጃፓን ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ንዝጉዓዙ ነበርቲ ናብ ጃፓን ዳግም ከይኣትው ካብ ሎማዕንሪ ሓሙሽ ጀሚሩ ኣጊዳ ኣላ።ካልኦት ሃገራት እውን ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ውድብ ጥዕና ዓለም መሊኦም ዘይተኸተቡን ከም ሕማም ሽኮር ዝኣመሰለ ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ሰባት ብዝለዓለ ናብ ዝመሓላለፈሎም ከባቢታት ከይጉዓዙ ምዒዱ ኣሎ።

እቲ ውድብ ብምውሳኽ ብዓይኒ የብለይ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዝግበረ እገዳታት ኣብ ናብራን መነባብሮን ሰባት ከቢድ ፀውራ ካብ ምሕዳር እቲ ሕማም ኣብ ዓለም ከይጋፋሕ ዝከላኸል ይኮነን ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፕሬዝዳንት ባይደን ኮቪድ 19 ብዝምልከት ሓዱሽተ ገደባት ከንብሩ እዮም