ፕረ.ባይደን ንምስግጋር መንግስቲ ዘለዎ ቅሩብነት ኣመልኪቱ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረ.ባይደን ንምስግጋር መንግስቲ ዘለዎ ቅሩብነት ኣመልኪቱ

ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ብኣቆጻጽራ ዋሽንግተን ዲሲ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም ዝተዘራረበ ብምሕባር፡ ምምሕዳሩ ስሩዕን ጽፉፍን ምስግጋር ስልጣን ክግበረሉ ምዃኑ ከም ዘረጋገጸሉ ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብስልኪ ደዊሉ እንቋዕ ሓጐሰካ ከም ዝበሎ ዝገለጸ ፕረዚደንት ባይደን፡ ምሉእ ምምሕዳሩ ንሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ክሰርሕ ዘለዎ ድሉውነት ከም ዝገለጸሉ ሓቢሩ።

ንካማላ ሃሪስ ኣብ ወፍሪ ምርጫ ዝገበረቶ ጻዕሪ ዘመስገነ ባይደን፡ “ህዝቢ ኣመሪካ ስለ ዝመረጸ ድምጺ ህዝቢ ክንሰምዕ ኢና፡” ኢሉ። “ምስ ተመርጽካ ጥራይ ንሃገርካ ከተፍቅር ኣይትኽእልን ኢኻ፡” ዝበለ ባይደን፡ እቲ ምርጫ ንጹርን ጽፉፍን ምንባሩ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ንስለ እቲ ዝፈጸሞ ቃለ-ማሕላን ሕጊ ኣመሪካ ዘሰክሞ ሓላፍነትን 20 ጥሪ ስልጣን ናብ ዝመጽእ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከሰጋግር ምዃኑ ነጊሩ።