ባይደን፡ ፕረዚደንት ሺ ኣብ ዋዕላ ጉጅለ 20 ዘይምስታፉ ሕማቕ ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ መራሒ ቻይና ሺ ዢንፒንግ ኣብ ዋዕላ ጉጅለ 20 ከም ዘይሳተፍ ድሕሪ ምሕባሩ ሕማቕ ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ። ፕረዚደትን ባይደን ነዚ ዝገለጸ ሃገሩ ምስ ቻይና ዘለዋ ዝምድና ንምምሕያሽ ትሰርሓሉ ኣብ ዘላ እዋን’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ከተማ ደልሂ ህንዲ ዝካየድ ዋዕላ ጕጅለ 20፡ ቻይና ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተራ ከምትሳተፍ ኣፍሊጣ'ላ።

ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ንዝጸንሐን ሓርፋፍ ዝምድና ንምምሕያሽ ኣብ ቀረባ እዋን ላዕለዎት ሰብ-መዚ ክልተ ሃገራት ርክባት ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ንዅላተን ዋዕላ ጕጅለ-20 ክሳተፍ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ኣብዚ ኣብ ደልሂ ክከይድ ዝቀራረብ ዘሎ ዋዕላ ዘይመሳተፊኡ ምኽንያት ኣይተገልጸን። ሰብ-መዚ ቻይና’ውን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መብርሂ ብምሃብ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቶም ምላሽ ኣይሃቡን።