ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ባይደን ሎሚ ሓሙስ ናብ ጀርመን ኣምሪሑእሎ፥ ጽባሕ ዓርቢ ድማ ምስ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ተራኺቡ ክዘራረብ'ዩ።
ድሕሪኡ ምስ መራሕቲ ብሪጣንያን ፈረንሳን ከም ዝራኸብ `ውን ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ`ሎ።
ጀርመን ካብ ኣመሪካ ቀጺላ ንዩክሬን ዝዓበየ ደገፍ ትገብር ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ናይ እሱራት ምልውዋጥ ክግበር ዝሸምገለት ምዃኑ `ውን ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ባይደን ናብ ኤውሮጳ ዝገይሽ ዘሎ፡ ስልጣኑ ዘኽትመሉ ምርጫ ኣመሪካ ሰሙናት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን`ዩ።
እግረ-መንገዱ ድማ ምናልባት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን እንተተመለሰ እተን ሃገራት ኤውሮጳ ክዳለዋ ንምግባር`ውን ምዃኑ እቲ ዜና ይገልጽ።
ትራምፕ ምስ መሓዙት ኣመሪካ ዘይምስምማዕ ዘርኣየ ከኸውን ከሎ፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ዘለዎ ኣድናቖት`ውን ገሊጹ ኔሩ`ዩ።
ፕረዚደንት ባይደን ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ጀርመንን ኣንጎላን ክገይሽ መደብ ሒዙ`ኳ እንተነበረ ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ብዘጋጠመ ህቦብላ ማዕበል ንመገሽኡ ከም ዘቋረጹ ይፍለጥ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ኣንጎላ ክኸይድ መዲቡ`ሎ።