ፕረ.ባይደን ጥዑይን ሓላፍነቶም ብግቡእ ክፍጽሙ ከምዝክእሉ ሓኪሞም ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ባይደን ጥዑይን ሓላፍነቱ ብግቡእ ክፍጽም ዝኽእልን `ዩ ክብል ዶክተሩ ኣፍሊጡ።

ብዋይት ሃውስ ዝተዘርግሐ መግለጺ፡ እቲ ወዲ 81 ዓመት ፕረዚደንት ዓመታዊ መርመራ ሕክምና ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘሎ ዶክተሩ መስኪርሉ`ዩ "ሓዲሽ ስኽፍታ የለን" ይብል።

ንኻልኣይ ግዚኡ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ዝቀራረብ ዘሎ ባይደን፡ ንዕድሚኡ ዝምልከት ስኽፍታታት ኣብ ዝስምዓሉ እዋን፡ ኣብ መዝነት ካብ ዝመጽእ ሕክምና ክረአ እዚ ሳልሳይ ጊዜ'ዩ።