ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ቅድሚ ናይ ጽባሕ ሰሉስ መባእታዊ ምርጫ ዲሞክራት ኣብ ምዕራባዊት ክፍለ ግዝኣት ኔቫዳ ወፍሪ ምርጫ ድሕሪ ምክያዶም ሎሚ ሰኑይ ናብ ቤተ መንግስት ዋይት ሃውስ ተመሊሶም።
እቶም ፕረዚደንት ምምሕዳሮም ኣብ ቁጠባ ዘመዝገቦ ዓወት ብምቅላሕ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ንመወዳድርቶም ክኾኑ ዝኽእሉ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ መጥቓዕቶም ኣሓይሎም።
"ዝሃነፅናዮ ድልዱል ቁጠባ ብዝበለፀ እናደልደለ ይኸይድ ከምዘሎ ዶናልድ ትራምፕ ይፈልጥ እዩ’’ ዝበሉ ባይደን "እዚ ንኣመሪካ ፅቡቕ ንዕኡ ግን ፖለቲካዊ ክስረት ምዃኑ ይግንዘብ እዩ’’ ኢሎም።
ባይደን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ንትራምፕ ብፀቢብ ድምፂ ወይ ድማ ብትሕቲ ሰለስተ ሚእታዊት ምስዓሮም ይዝከር። ክልቲኦም ዳግም እንተገጢሞም ዝተቐራረበ ድምፂ ከምዝረኽቡ ኣሃዝዊ መዐቀኒ ርእይቶታት ህዝቢ ይሕብር።
ባይደን ኣብ ናይ ፅባሕ መፃረይ ምርጫ ደራሲት መሪያነ ዊሊያምሰንን ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይብሎምን ውሑዳት መወዳድርቲ እዮም ክገጥምዎም።
ሪፓብሊካዊያን እውን ፅባሕ ሰሉስ ኣብ ኔቫዳ መባእታዊ ምርጫ ከካይዱ እዮም።