መደረ ፕረ.ባይደን ኣብ ዝኽሪ ወራር ኖርማንዲ ፈረንሳ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

መደረ ፕረ.ባይደን ኣብ ዝኽሪ ወራር ኖርማንዲ ፈረንሳ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝኽሪ 80 ዓመት ዝኽሪ ወራር ኖርማንዲ ኣብ ዝተሳተፈሉ እዋን ኣንጻር ወራር ሩስያ ሓድነት ጸዊዑ። ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣንጻር ናዚ-ጀርመን ኣብ ወሰን ባሕሪ ኖርማንዲ ፈረንሳ ኣብ ዝተካየደ ወራር ወታሃደራዊ ጥምረት፡ ልዕሊ 9-ሺሕ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ኣመሪካ ህይወቶም ምኽፋሎም ይዝከር።

ቅድሚ 80 ዓመታት፡ ኣብቲ ኣንጻር ወተሃደራት ጀርመን ኣብ ወሰን ባሕሪ ፈረንሳ ዝተኻየደ ኲናት 16- ሺሕ ወተሃደራት ጥምረት ተሳቲፎም፡። ኣስቃቒ ኲናት ኔሩ፡ እንተኾነ ጀርመን ኣብ ፈረንሳ ዝነበራ ሓይሊ ተዳኺሙ፡ ኩነታት ናብ ምብቃዕ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣምሪሑ።
ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ኣብ ጥቓ `ቲ 9,387 ወተሃደራት ኣመሪካ ዓሪፎምሉ ዘለዉ መቓብር ኮይኑ ክዛረብ ከሎ፡ ሎሚ `ውን ኣንጻር ወራር ሩስያ ብሓደ ጠጠው ንበል ኢሉ፡፡