ንምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ሪጋቲ ጋቹንጋ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝጠልብ ክሲ ሎሚ ረቡዕ ናብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ምሕላፉ ተገሊጹ። ኣባላት ፓርላማ እቶም ምኽትል ፕረዚደንት ካብ መዝነቶም ክወርዱ ንዝጠልብ ክሲ ድሕሪ ምጽዳቖም’ዩ ናብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ሓሊፉ ዘሎ።
ሃገራዊ ባይቶ ውሳነኡ ትማሊ ሰሉስ’ዩ ኣጽዲቑ።እዚ ውሳነ ነታ ኣቐዲማ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብናህሪ ዋጋ ዘንቀሎ ህይወት ብዙሓት ዝወሰደ ተቓውሞ ዝተናወጸት ኬንያ ካልእ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ዝፈጥር ኮይኑ’ሎ።
እቲ ቀሪቡ ዘሎ ጥርዓን ንምኽትል ፕረዚደንት ሪጋቲ ጋቹንጋ ብብልሽውና፡ ዘይስነምግባራዊ ከፋፋሊ ፖለቲካ ብምስጓምን ንመንግስቲ ብምንዓቅ ይኸስስ።
ዋላ’ኳ ንሶም ነቲ ክስታት እንተነጸግዎ 349 ኣባላት ካብ ዘለዎ ፓርላማ እታ ሃገር እቶም 282 እቶም ምኽትል ፕረዚደንት ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድምጾም ሂቦም ኣለው።
እቲ ጥርዓን ናብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሎሚ ረቡዕ ዝሓለፈ ኮይኑ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ክሲ እንተ ኣጽዲቕዎ ምኽትል ፕረዚደንት ጋቹንጋ ብዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር ካብ መዝነቶም ዝተለዓሉ ቐዳማይ ምኽትል ፕረዚደንት ክኾኑ’ዮም።
እቲ ውሳነ ክጸድቕ እቲ ቤት ምኽሪ 10 መዓልታት ናይ ጊዜ ገደብ ዘለዎ ክኸውን ከሎ ሰለስተ ሲሶ ኣባላት ነቲ ውሳነ ከጽድቕዎ ኣለዎም።