ነበርቲ ከተማ አዳማ ካብ ማእሰርቲ ንዝተፈትሑ ምክትል ኣቦ መንበር ኦፌኮ ኣቶ በቀለ ገርማ ዝገበረሉም ኣቀባብላ

አቶ በቀለ ገርባ ኣብ ከተማ አዳማ

ምክትል አቦ መንበር ተቓዋሚ ፓርቲ ናይ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ(ኦፌኮ) አቶ በቀለ ገርባ ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ተቓውሞ ስዒቡ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሶሉስ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ኣለው።

አቶ በቀለ ገርባ መጀመርያ ክሲ ግብረ ሽበራ ቀሪብሎም እንተነበረ ድሒሩ እቲ ክሲ ጎነጽ ብምልዕዓል ናብ ዝብል ምጉዳሉ ይፍለጥ።

ነበርቲ ከተማ አዳማ ነቶ በቀለ ገርባ ኣብ ዝተቀበልሉ

አቶ በቀለ ገርባ ምስ ካልኦት ሸውዓተ አባላት ኣመራርሓ ተቓዋሚ ፓርቲ ኦፌኮ ካብ ማእሰርቲ ኣብ ዝተፈትሕሉ ደገፍቶም ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሓጎሶም ክገልጽ ተራእዮም።

እዚ ምፍታሕ እዞም እሱራት ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ኣብ ከባቢ አዲስ አበባ ዝርከባ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ተቓውሞን ናይ ስራሕ ደው ምባል አድማ ምልዓሉ እዩ ተፈጺሙ።

ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝተላዕለ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ካብ ዝተአሰሩ ኣስታት 6,000 ሰባት ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሮም ነጻ ምውጽኦም ተሓቢሩ’ሎ።

አቶ በቀለ ገርባ ካብ ማእሰርቲ ኣብ ዝወጽሉ እዋን ከምዚ ኢሎም።

“ኩሉ ጊዜ መንግስቲ ንተወላዶ ኦሮሞ ዝከሰሉ እቲ ፍሉጥ ዝኾነ ገበን ግብረ ሽበራ እዩ። ከምዝፍለጥ ኣብዚ ሃገር ንናይ ገዛእ መሰሉ ዝሓተተ ብግብረ ሽበራ ይኽሰስ ስለዝኾነ ድማ ኣነ ብግብረሽበራ ተኸሲሰ ኔረ።ዝተፈታሕናሉ ምክንያት ድማ ካብ ህዝቢ ዝመጽእ ጸቕጢ ልዑል ብምኳኑ እዩ። እዚ እቲ ቀንዲ ምክንያት እዚ ይመስለኒ። እንተዘይኾይኑ መንግስቲ ክሰምዓና ዝደልይ ኣይመስልን ከም ኩሉ ጊዜ ድማ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ዝኣምን ኣይመስለንን ምክንያቱ ብጎነጻዊን ብረታዊን ቃልሲ ናብ ስልጣን ዝመጸ ስለዝኮነ ዝፈልጦ ከምዚ ዓይነት ቃልሲ ጥራይ እዩ። ሰላማዊ ቃልሲ ተቐቢልዎ ኣይፈልጥን።”

ንሶም ብምቅጻል“ ሕጂ’ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ማእሰርቲ ዝርኸቡ ሰባት ኣለው ስለዚ ናትና ምፍታሕ ንኩሎም እሱራት ተወላዶ ኦሮሞ ከምምፍታሕ ክቑጸር የብሉን ቃልስና’ውን ደው ኣይክብልን። ቃልስና ድማ ዝኾነ ተወላዲ ኦሮሞ ኣብ ማእሰርቲ ክሳብ ዘይህልው ክቕጽል እዩ” ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ነበርቲ ከተማ አዳማ ካብ ማእሰርቲ ንዝተፈትሑ ምክትል ኣቦ መንበር ኦፌኮ ኣቶ በቀለ ገርማ ዝገበረሉም ኣቀባብላ

ስነጥበባዊት ፉኒ ብወገና “ በቀለ ንሓቂ ደው ዝበለ ንህዝቡ ወኪሉ ዝዛረብ ሰብ እዩ። ንዕኡ ዝመስል ሰብ ብህይወቱ ኮነ ብሞቱ ኩሉ ጊዜ ምስተመስገነ እዩ። እቶም ንህዝቦም ዝሸጡ ካብኡ ክመሃሩ ኣለዎም ምክንያቱ ሰናይ ዝገብር ኩሉ ጊዜ ምስ ተመስገነ እዩ።”

ንአቶ በቀለ ገርባ ክቅበሉ ናብ ጎደናታት ከተማ አዳማ ካብ ዝወጹ ነባሪ አዳማ ድማ “ በቀለ ንኦሮምያ ጥራይ ኣይኮነን ጅግና፡ ከም ማንደሌናን ሮዛ ፓርክን ንኣፍሪቃ እውን እዩ። ብጣዕሚ ተሓጉሰ ኣለኹ። ቃልስና አሓይልና ክንቕጽል ኢና። ኣብ ገዛእ ሃገርናን መሬትና ብካልእ ክንግዛእ የብልናን።”