እስራኤል ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ቤይሩትን ካልኦት ከባቢታት ደብዳብ ነፈርቲ ፈጺማ

ከተማ ቤይሩት

ኣብ ጥቃ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ሌባኖስ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ደቡባዊ ቤይሩት መደብራት ሕዝቦላህ’ዮም ኣብ ዝተባህሉ ከባቢታት ከቢድ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተኻየደ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ገሊጹ።

ሎሚ ሓሙስ መግለጺ ዘውጸአ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከካይዶ ዝጸንሐ ወፍሪ ከምዘግፈሖን፣ ብፍላይ ዕጡቃት ሕዝቦላህ እንደገና ይተኣኻኸብሉ ኣለው ዝበሎም ከባቢታት ዒላማ ከምዝገበረ ጠቂሱ ኣሎ።

መራሒ ሕዝቦላህ ነይም ቃሲም “ጸላኢ ወራር ደው እንተቢሉ፣ ንልዝብ ምቁራጽ ተጻብኦ ቅሩባት ኢና” ከምዝበለ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እስራኤል ኣብ ሌባኖስ መጥቃዕቲ ካብ ትጅምር ንደሓር ልዕሊ 3,000 ሰባት ሞይቶም፣ ኣስታት 13,600 ድማ ምቑሳሎም ሚኒስቴር ጥዕና’ታ ሃገር ዝዘርገሖ ሪፖርት ይሕብር።