ኣፍራዪ ዝተባርዓ ረድዮ ርክብ ሕዝቦላህ መን’ዩ?

Your browser doesn’t support HTML5

ኣፍራዪ ዝተባርዓ ረድዮ ርክብ ሕዝቦላህ መን’ዩ?

ዕጡቓት ሕዝቡላህ ዝጥቀሙለን ሓያሎ ረድዮ ርክብ ተባሪዐን ኣስታት 300 ሰባት ቀቲለን ኣስታት 3000 ድሕሪ ምቝሳለን፡ ኣብ ሊባኖስ ሓድሽ ራዕዲን ጥንቃቐን ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ብእስራኤል ገለ ባእታ ከም ዝተጻወደሉ ዝሕበር ረድዮ-ርክባት ድሒሩ ኣብ ምርመራን ካልእ ስጕምታትን ኣስዒቡ ኣሎ። ኣብዚ ቀዲመን ዝተጠርጠራ ኣብ ታይዋንን ቡልጋሪያን ዝመደበረን ትካላት’የን ይብል መርመራ ሮይተርስ።

ሮይተርስ ንኣባላት ጕጅለ ሕዝብላህ ብምውካስ ከም ዘስፈሮ፡ እተን ረድዮ-ርክብ ኣብቲ ናተን ባትሪ PETN ዝተባህለ ደቂቕ ባእታ ተጻዒኑወን ምጽናሑ ገሊጹ። ንኣሰራርሓ እተን ረድዮ ርክብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝወጽእ ዘሎ ሓድሽ ምርመራ፡ እተን "ICOM” ዝብል ስም ዝተጻሕፈን ረድዮ-ርክብ ኣብ ጃፓን ከም ዝተሰርሓ’ዩ ኣብ ገበረን ተለጢፉ ዘሎ። እንተዀነ ነተን ረድዮ ርክብ ዘፍሪ ዝነበረ ጃፓናዊ ትካል ነተን ሕጂ ብሰራዊት ሕዝብላህ ኣብ ጥቕሚ ዘለዋ ረድዮታት ቅድሚ 10 ኣቢሉ ምፍራየን ደው ከም ዘበለ ይገልጽ። ኣካይዲ ስራሕ እቲ ጃፓናዊ ትካል ኢሞቶ፡ ምናልባት ገለ ምልውዋጥ ተገይሩለንን ተመስሪሐንን ኣብዚ ዳሕራይ መዓላ ይውዕላ ከም ዘለዋ ይግምት።

ኣካያዲ ስራሕ ትካል ኢሞቶ ኣብ ቴለቪዥን ጃፓን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብተን ረድዮ ካልእ ተባራዒ መሳርሒ ምጽዓን ዳርጋ ስለ ዘይከኣል፡ እቲ እንኮ ምትዕጽጻፍ ኣብ ባትሪ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

ምንጭታት ካብ ሊባኖስ ከም ዝሕብሩዎ፡ ዋላ እቲ ባተሪአን ወጺኡ እንከሎ’ውን ክቃጸላ ዝጀመራ፡ መርመራታቶም ከም ዝሕብሮ፡ ዳርጋ 3 ግራም ዝኣክልን ንምፍላዩ ኣዝዩ ዘጸግምን ተባራዒ ባእታ ተላጊቡወን ጸኒሑ። እቲ PETN ዝተባህለ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብተን ረድዮ ርክብ ከም ዝተተኽለ ድማ እቲ ምንጪ ይሕብር።

ንምምስራሕ እተን ረድዮ ርክብን ተባራዒ ባእታ ምጽዓንን ቀዲማ እትጥርጠር እስራኤል ኢያ። እንተዀነ ሰብ-መዚ እስራኤል ዛጊት ኢድ ከም ዘለዎም ኣይተኣመኑን። ኣቐዲሙ ብሰንኪ ተኽእሎታት ምልሓዅን ጠለፋን ተንቀሳቓሲ ቴለፎን ምጥቃም ዘቋረጽ ሰራዊት ሕዝቦላህ፡ ነተን ረድዮ ርክብ ኣበይ ከም ዝተሰርሓ ኣብ ምፍታሽ ኣሎ።

ኣብዚ ጉዳይ ቀዲመን ኣብ ጥርጥረ ዝኣተዋ ኣብ ታይዋንን ቡልጋሪያን ዝርከባ ኣፍረይቲ ትካላት’የን። ጎልድ ኣፖሎ ዝተሰምየ ኣብ ታይዋን ዝመደበሩ ትካል ንገለ ባእታታት እተን ረድዮ ርክብ ዘፍሪ ኰይኑ፡ እንተዀነ እቲ ተበራዒ ባእታ ከም ዝተጻዕኖ ዝጥርጠር ወገን ኣብ ሃንጋሪ ከም ዝተገጣጠመ ኣሚቱ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን’ውን ምስ ወኪል እስራኤል ኣብ ታይዋን ተራኺቡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተዘራሪቡ እንተዀይኑ ተሓቲቱ “ኣይፋል” መሊሱ።

ሰብ-መዚ ታይዋን ነቲ ጉዳይ ኣዕቲቦም ሒዞሞ ዘለዉ ይመስሉ። ኣኽበርቲ ሕጊ ታይዋን ንፕረዚደንት ትካል ጎልድ ኣፖሎ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መርመራ ከም ዝገበሩሉ ሮይተርስ ሓቢሩ። እንተዀነ ድሕሪ’ቲ ምርመራ ንመራኸቢ ብዙሃን ስለ ዘይተዛረቡ ሮይተርስ ዝርዝር ናይቲ ምርመራ ኣየቕረበን።

ቡልጋሪያ’ውን ኣብ መፍረ እቲ ስራሕ ተራ ስለ ዘለዋ፡ ኣብዘን ዝጥቀሳ ዘለዋ ረድዮ ርክብ ኢድ ከይህሉዋ ተጠርጢራ ነይራ። እንተዀነ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ እተን ኣብ ሊባኖስ ዝተባርዓ ረድዮ ርክብ ኣብ ቡልጋርየ ከም ዘይፈረያን ካብታ ሃገር’ውን ከም ዘይተላእካን ገሊጹ።