ዋሽንግተን —
ኮሚሽን ጸረ-ብልሽውና ባንግላዴሽ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ሸኽ ሓሲናን ስድራቤታን ዝካየድ ዝነበረ ብሩስያ ዝድገፍ መደበር ኑክሌር ዝምልከት ዝቐረበ ክሲ ብልሽውና ብዝምልከት ዝካየድ መርመራ 5 ቢልዮን ዶላር ምስልዑ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝቐረበ ክሲ ሕጂ ኣብ ስደት ኣብ ህንዲ ትርከብ ቀዳመይቲ ሚንስትር ነበር ሸኽ ሓሲና፡ ወዳ ቦቢ ሃጅን ኣባል ካቢነ ብሪጣንያ ዝኾነ ወዲ ወዳ ቱሊብ ሳቂብ ይርከብዎም።
እቲ ክሲ ዘልዓለ መደበር ኑክሌር ዝምልከት ዝተረኽበ 12.65 ሚልየን ዶላር ኮይኑ 90 ሚእታዊት ካብ ሩስያ ብልቓሕ ዝተረኸበ’ዩ።
እቲ መርመራ ካብ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ስርቂ ዝብል’ውን ይርከቦ።
ቀዳመይቲ ሚንስተር ባንግላዴሽ ነበር ሸኽ ሓሲና ኣብ 5 ነሓሰ 2024 ኣብታ ሃገር ብዝተለዓለ ተቓውሞ ካብ መዝነታ ተኣልያ ናብ ህንዲ ምስዳዳ ይፍለጥ።
ኤኤፍፒ ነዚ ብዝምልከት ካብታ ቀዳመይቲ ሚንስተር ምላሽ ምርካብ ከምዘይከአላ ኣብ ሪፖርቱ ሓቢሩ’ሎ።