ባንኪ ሙን ሱዳናውያን ተዛተይቲ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ከይተሰማምዑ ምትራፎም ከምዘጉሃዮም ገሊጾም

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ኣብ ዳርፉር፣ክልተ ከባቢታት ብሉ ናይልን ክፍለ ግዝኣት ደቡብ ኮርዶፋንን ተፃብኦ ጠጠው ንምባል ክዛተዩ ዝቐነዩ ሱዳናዊያን ወገናት ከይተሰማምዑ ምትራፎም ከምዝጉሃዮም ገሊፆም።እቲ ናይ መወዳእታ ዙር ልዝብ ካብ 9 ክሳብ 14 ነሓሰ 2016 ኣ/ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ተኻይዱ።

ኩሎም ወገናት ነቲ ልዝብ ክቕፅልሉን ካብ ኩሉ ዓይነት ተፃብኦ ክቑጠቡን ፅኑዕ ምሕፅንታ ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈቶም ዝወፀ መግለፂ ይሕብር።