ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ኣብ ዞባ ባሌ  አባላት ሓንቲ ስድራ ዝርኸብዎም ሓሙሽተ ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማል ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ሰዌና ቡርቃ ጠሬ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባላት ስድራ ቶኪሶም ሰለስተ ቆልዑት ዝርከቡዎም ንሓሙሽተ ሰባት ከምዝቐተሉን ምንጭታትን ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።ናይቶም ቆልዑ ኣደን ካልእ ቆልዓን እውን ምቑሳሎም እውን ተዛሪቦም ኣለው።

ኣብ ሆስፒታል ባሌ ጎባ ብጥይት ዝቖሰለ ኤሊያስ ጎልየ ዝተባህለ ቆልዓ ኣብ ምሕካም ዝርከቡ ኣባል ስድራ ኣብዛ ቡርቃ ከሬ ዝተበሃለት ቦታ ዝሓለፈ ዓርቢ 7 መጋቢት 2010 ዓ.ም ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ንጉሆ ክዳን ፍሉይ ፖሊስ ክልል ሶማል ዝተኸደኑ ዕጡቓት ናብቲ ናይ ገጠር ዓዲ ብምዝላቕ ቶኽሲ ከፊቶም ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባላት ስድራ ዝለዓለ ጉድኣት ምውራዱ ገሊፆም።

ካብ ሓደ ገዛ ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወዲን ዝርከቡዎም ሰለስተ ቆልዑትን ኣቦ ሓጉኦምን ሓደ ጎረቤት ብድምር ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ሓደ ነባሪ ገሊፆም።

“ፍሉይ ፖሊስ ሶማል ካብ ኦጋዴን መፂኦም ንኩሎም ኣባላት ስድራ ብጥይት ወቒዖምዎም።ኣዲኦምን ወዲ 9 ዓመት ውላዳን እውን ተወቒዖም ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።ኣቦ ሓጉኦም ድማ ተወቐቲሎም።ቆልዑት ሓዊሱ ብድምር ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም።”

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩን ኣብ ቀብሪ እውን ከምዝተረኽቡን ዝገለፁ ካልእ ድማ ፍሉይ ፖሊስ ሶማል ንሓሙሽተ ሰባት ምቕታሎም ብምግላፅ እቶም ዕጡቓት ነቶም ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ንምስጓግ ዝመፁ እዮም ኢሎም። ኣማሓዳሪ ወረዳ ቤሊቾ ኣቶ ዚያድ ኣማን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ተሓቲቶም ከምዚ ኢሎም።

“ዕጡቓት ክልል ሶማል ኣባላት ሓደ ስድራ ንዝኾኑ ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሎም።ክልተ ኸኣ ቆሲሎም ኣለው።ዝተኸሰተ ነገር ኣይነበረን፤ኣብ መንበሪ ገዝኦም እዮም ተቐቲሎም።”

ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ናብ ጎረባብቲ ናይ ገጠር ጣቢያታት ከምዝሃደሙ ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።ቅድሚ ሎሚ ካብ ክልል ሶማል ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ምምዝባሎም ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ምግላፆምን ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ኣብ ዞባ ባሌ  አባላት ሓንቲ ስድራ ዝርኸብዎም ሓሙሽተ ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ