ፃውዒት ሓገዝ ንመወከሲ ሆስፒታል ዓይደር

Your browser doesn’t support HTML5

ፃውዒት ሓገዝ ንመወከሲ ሆስፒታል ዓይደር

ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓበየ ትካል ጥዕና ዝኾነ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር፡ ብሰንኪ ኲናት ካብ ሓያሎ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ድሕሪ ምብኳሩ፡ ብገለ ግዱሳት ዝተበገሰ “ዓይደር ነድሕን” ዝብል ወፍሪ ምትኽኻብ ሓገዝ ይካየድ ኣሎ። እቲ ሆስፒታል ድሕሪ ስምምዕ ተጻብኦታት መጠናዊ ምምሕያሽን ቀረባት መድሃኒት ይርከብ ምህላዉ ሰብ-መዚ ይገልፁ። እንተዀነ ምስቲ ካልእ ተደራራቢ ማሕበራዊ ፀገማት፡ ናብቲ ዝነበሮ ብርኪ ንምምላሱ ከቢድ’ዩ ኮይኑ ከምዘሎ'ውን ይግለጽ'ሎ።