መቐለ —
ብትካል ባህሊን ቅርሲን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ ሓወልቲ ኣኽሱም፡ ብሰንኪ ኲናትን ካልእ ተፈጥሮኣዊ ክስተታትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝርከብ መራሕቲ ጉዕዞን ተኸታተልቲ እቲ ሓወልታትን ይገልጹ።
ንምጽጋን እቲ ሓወልታት ብናይ ደገ ትካላት ተስፋ ተዋሂቡዎን ናይ ምብጋስ ምንቅስቓሳት እኳ እንተጸንሐ፡ ዛጊት ግን ኣብ ተግባር ዝጀመረ ስራሕ የሎን።
ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ናብ ኣኽሱም ተጓዒዙ ዘዳለዎ መደብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።