ዋሽንግተን —
ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከባ ኣርባዕተ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣመንቲ እስልምና ዝዀና ተመሃሮ ሕጃብ ለቢሰን ከይመሃራ ድሕሪ ዝገበሮ ክልከላ፡ እተን 159 ተመሃሮ ሕጅብ ለቢሰን ትምህርተን ክቕጽላ መምርሒ ሂቡ።
ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ንቢሮ ትምህርቲ ከተማ ኣኽሱምን ከልኪለን ዝተባህላ ኣርባዕተ ኣብያተ-ትምህርቲን ከሲሱ ኣሎ። ቤት ፍርዲ ወረዳ ኣኽሱም፡ ነቶም ከልኪሎም ዝተባህሉ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ውሳነታቶም ንሃገራዊ ሕግታትን መሰረታዊ መሰላትን ዝጻረር’ዩ ብምባል፡ ክሱሳት ናብቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ቃል ክህቡ ጸዊዑ ኣሎ።
ንሎሚ ካብተን ኣብያተ-ትምህርቲን ናይ ከተማ ኣኽሱም ቢሮ ትምህርቲን ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገብርናዮ ጻዕሪ ኣይቀንዐን። ኣብ ቀጻሊ ግን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝሰፍሐ ሸፈነ ክህልወና’ዩ።