ኣኽሱም፤ ኩነታት ብርእሰን ተጣቢቐን ንዝተወልዳ ማናቱ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣኽሱም፤ ኩነታት ብርእሰን ተጣቢቐን ንዝተወልዳ ማናቱ

ኣብ ኣኽሱም ብርእሰን ተጣቢቐን ዝተወልዳ ማናቱ፡ ኩነታት ጥዕናአን ዛጊት ኣብ ዝተረጋግአ ኵነታት ምህላዉ ሰብ-ሞያ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ይገልጹ። እዚ ኣብ ክልተ ሚልዮን ውላድ ሓንሳብ ከጋጥም ዝኽእል ዝተባህለ ፍሉይ ተርእዮ፡ ዛጊት ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ዓቕሚ ንምፍላይ ዝከኣል እንተዀይኑ ኣብ ምፍታሽ ከም ዘሎ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ክኢላታት መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ይገልጹ።