ንግደት ኣኽሱም ፅዮን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ብኵራቱ ብድምቀት ይኽበር
Your browser doesn’t support HTML5
ዓመታዊ ንግደት በዓል ኣክሱም ፅዮን ንሰለስተ ዓመታት በዂሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ዓርቢ 1 ታሕሳስ 2023 ብኣማኢት ኣሽሓት ምእመናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።
ኣብዚ በዓል ንምስታፍ ካብ በበይኑ ቦታታት ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ነጋድያን ተረኺቦም ነይሮም።