ኣህጉራዊ ነፃ ንግዲ ኣፍሪካ ንምጥያሽ ልዝብ ተጀሚሩ

ሕብረት ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ነፃ ናይ ንግዲ ዞባ ንምፍጣር ልዝብ ጀሚሩ።እቲ ዝርርብ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ መንጎአን ነፃ ምንቅስቓስ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ንምስፍጣር እዩ።

ኣህጉራዊ ነፃ ናይ ንግዲ ከባቢ ንምፍጣር ድርድር ምጅማሩ ኣብ ናይ ጆሃንስበርግ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብወግዒ ዝኣወጁ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ዙምባቤ ፕሬዝዳንት ሮበርት ሙጋቤ ነፃ ናይ ንግዲ ዞባ ኣብታ ክፍለ ዓለም ንዝህሊ ምቅስቓስ ኣቑሕትን ሰባትን ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።ሕብረት ኣፍሪካ ስምምዕ ነፃ ንግዲ ኣብ 2017 ኣ/ፈ ግብራዊ ክኸውን መዲቡ’ሎ።ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ መንጉአን ዘሎ ዕንቅፋታት ንግዲ ክንኪ ትፅቢት ይግበረሉ።ኣብ ሰደድን ኣታውን ዝህሊ ግብሪ ብዓብዪ ብምንካይን ኣብ ገሊኡ ድማ ናይ መእተዊ ቪዛ ብምግዳፍን ዕንቅፋት ዘወግድ እዩ።

ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ምጅማር ልዝብ ድኽነት ኣብ ምንካይን ናይታ ኣህጉር ቁጠባዊ ዕብየት ኣብ ምሕያልን ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ክብሉ ናእድኦም ገሊፆም ኣለው።

‘’ነፃ ናይ ንግዲ ዞባ ማለት ብርእስኻ ክትትኣማነት ምኽኣልን እዩ’’ዝበሉ ኬንያታ ብምስዓብ ‘’ሕብረት ኣፍሪካ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክዝቲ ምእካቡ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ብዛዕባ ዘሳቕዩና ፀገማትና ከይኮነስ ፀጋታትና ከመይ ከምእንጥቀሞም ምዝርራብ ምኽኣል ማለት እዩ’’ኢሎም።

ማሕበረሰብ ልምዓት ደቡብ ኣፍሪካ፣ሓባራዊ ዕዳጋ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪካ ከምኡ እውን ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪካ ድሮ ሰለስትኣዊ ናይ ንግዲ ስምምዓት ጀሚሮም ኣለው።ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ኣህጉራዊ ልዝብ ብፅቡቕ ክሳለጥ ተስፋ ኣለዎም።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ንግድን ኢንዱስቱሪን ፋጢማ ኣሲል ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ሃገራት ዝተፈላለየ ሃፍቲ ዘለወን ከም ምዃነን ገሊአን ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ዕፁዋት ሃገራት ምስ ምህላወንን ገሊአን ድማ ኣናእሽቱ ናይ ደሴት ሃገራት ከም ምዃነን ዝህሊ ፈተና ከቢድ ክኸውን እዩ ኢለን።ፖለቲካዊ ድልውነት ሒዝናን ግን ንዓለም ክነገርማ ኢና ኢለን።

እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ ኣፍሪካ ሓደ ቢሊዮን ከምዝበፅሐ ይግመት።እታ ኣህጉር ብፀጋታት ማዕድን እውን ሃፍታም እያ።ሃገራት ነንባዕለን ብንግዲ ክራኸባ ካብ ኬፕ ታውን ክሳብ ካይሮ ዘተኣማምን ናይ ባቡርን ናይ መንገድን መሰረተ ልምዓትን ንምህናፅ ቢሊዮናት ዶላር ከድሊ እዩ።