ንኣፍሪካውያን መስርሕ መከሓሓሲ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፃውዒት ቀሪቡ
Your browser doesn’t support HTML5
ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንትኖንዮ ጉተሬዝ፣ ኣፍሪካውያንን ትውልደ ኣፍሪካን ብባዕዳዊ መግዛእትን ንግዲ ባርያን ንዝበፀሖም በደል ዝክሕስ መስርሕ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፀዊዖም፡፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 38 ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረኸቡ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ናይቶም “ታሪኻዊ በደላት” ዝበሉዎም ተርእዮታት ውፅኢት ክሳብ ሐጂ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ይፀልው ምህላዎም ኣረዲኦም፡፡