ንኣፍሪካውያን መስርሕ መከሓሓሲ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፃውዒት ቀሪቡ   

Your browser doesn’t support HTML5

ንኣፍሪካውያን መስርሕ መከሓሓሲ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፃውዒት ቀሪቡ   

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንትኖንዮ ጉተሬዝ፣ ኣፍሪካውያንን ትውልደ ኣፍሪካን ብባዕዳዊ መግዛእትን ንግዲ ባርያን ንዝበፀሖም በደል ዝክሕስ መስርሕ ፍትሒ ክዝርጋሕ ፀዊዖም፡፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 38 ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረኸቡ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ናይቶም “ታሪኻዊ በደላት” ዝበሉዎም ተርእዮታት ውፅኢት ክሳብ ሐጂ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ይፀልው ምህላዎም ኣረዲኦም፡፡ ኣብቲ ዋዕላ መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም ኣፍሪቃውያንን ትውልዲ ኣፍሪቃን ናይ መከሓሓሲ ፍትሒ ክረኽቡ ምግባር በቲ ዝተፈፀመ በደል ንዝተፈጠረ በሰላን መንፈሳዊ ስቓይን ምሕካም እዩ ኢሎም፡፡

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሙሳ ፋቂ ማሓማት ኣብዘስምዑዎ ዘረባ ድማ ኣብታ ኣህጉር ዝረአ ዘሎ ኵናትን ግጭትን ሐጂ እውን ቀንዲ ፈተና ኮይኑ ኣሎ ኢሎም፡፡ እቲ ኣህጉራዊ ሕብረት ዝገጥሞ ዘሎ ፀገም ፋይናንስ እውን ካልእ ፈተና ከምዝኾነ ዝሓበሩ ሙሳ ፋቂ ናፅነትናን ሉኣላውነትናን ብናይ ካልኦት ኣካላት ገንዘብን ሃብትን ክረጋገፅ ኣይኽእልን ኢሎም፡፡