ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ነትጕ ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና 140 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ወርሒ መስከረም ዘጋጠመ ሓደጋ ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና - ፋይል

ኣብ ናይጀርያ ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና ምግልባጣ ስዒቡ ዘጋጠመ ነትጕ ህጻናት ዝርከብዎም 140 ሰባት ሞይቶም ብዓሰርተታት ካልኦት ምቝሳሎም ፖሊስ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ፖሊስ ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ግዳያት እቲ ኣብ ማጂያ ዝተባህለ ከተማ ዘጋጠመ ሓደጋ ካብታ መኪና ዝፈሰሰ ነዳዲ ክወስዱ ዝመጹ ምዃኖም ሓቢሩ’ሎ።

ኣብታ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዝኾነት ናይጀርያ ብሰንኪ ጽኑዕ ዘይኮነ ሕግታት ትራፊክ ተደጋጋሚ ሓደጋ ዘጋጥም ኮይኑ ስእነት ውሑስ ዝኾነ ምጕዕዓዝ ጽዕነት’ውን ይረኣ’ዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ይሕብር።