ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ካብ ኣሜሪካ ናብ ካናዳ ብምእታው ዑቕባ ሓቲቶም

Your browser doesn’t support HTML5

ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ጥራይ ካብ ኣሜሪካ ናብ ካናዳ ምእታዎም ተሓቢሩ

ሰበ ስልጣን ካናዳ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ጥራይ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ኣሜሪካ ናብ ካናዳ ምእታዎም ይገልጹ።

መብዛሕትኦም እዞም ሓተቲ ዑቕባ ካብ ድኽነትን ብኹናት ዝባደማ ሃገራት ሶርያ፡የመንን ሃይቲን ናብ ኣሜሪካ ዝአተው ክኾኑ ከለው ንዝሓሸ ህይወት ናብ ካናዳ ምስዳዶም ይገልጹ።

ገሊኦም ክሳብ ዶብ ኣሜሪካን ካናዳን ብታክሲ ዝኸዱ ካብኡ ብእግሮም ነቲ ዶብ ከምዘቋርጹ ተፈሊጡ’ሎ።

በዓልቲ ሞያ ሕጊ ዝኾና ብረንዳ ሻናሃን ብዛዕባ’ዚ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ካናዳ ከምዚ ይብላ።

“ሓደ ንጹር ክንገብሮ ንደልይ ነገር እንተሎ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዘንብብዎ ነገር ብዘየገድስ ዶብ ሰጊርካ ንካናዳ ምእታው ንናይ ዑቕባ ሕቶ ምቕባል ኣይኮነን።”

ሰበ ስልጣን ኢምግሬሽን ብወገኖም ሕቶ ዑቕባ ከከም ጉዳዮ ይፈላለይ’ዩ ይብሉ።