ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንዕዮ ሰብአዊ መሰላት ዲሞክራስን ቶም ማሊኖውስኪ ኣብ ጉዳይ ክልል ኦሮምያን ካልኦትን ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ተመያይጦም

ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንዕዮ ሰብአዊ መሰላት ዲሞክራስን ቶም ማሊኖውስኪ ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ

ህዝቢ ክልል ኦሮምያ ዘለዎ መረረ ግቡእ ምኳኑ ዝተቀበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጺሉ ተግባራዊ ምንቅስቃስ ከካይድ ትጽቢት ይግበሮ ክትብል ኣሜሪካ ኣፍሊጣ። ኣብ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ተሓሓጋዚ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ንዕዮ ሰብአዊ መሰላት ዲሞክራስን ቶም ማሊኖውስኪ ኣብ ጉዳይ ክልል ኦሮምያን ካልኦትን ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ተመያይጦም’ለው።

ጸገም’ቲ ህዝቢ ክሳብ ዝፍታሕ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ባይታ ክኸፈት ሲቪክ ማህበራት ኣብቲ ክልል ኦሮምያ እጃሞም ከበርኽቱን፡ ሓይልታት ጸጥታ ማእከል ዝገበረ ፍታሕ ካብ ምሃብ ክቑጠብን ኣለዎ ክብሉ እቶም ምክትል ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ተዛሪቦም ኣለው። ንሚኒስትር ቶም ማሊኖውስኪ ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደቶም ረኺቡ እስክንድር ፍሬው ኣዘራሪብዎም ኣሎ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንዕዮ ሰብአዊ መሰላት ዲሞክራስን ቶም ማሊኖውስኪ ኣብ ጉዳይ ክልል ኦሮምያን ካልኦትን ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ተመያይጦም