ኤርትራዊት ጀርመናዊት ፍናን ኣተወብርሃን ኣሰልጣኒት ጋንታ ኩዕሶ ስኪዔት ርዋንዳ

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ መሕተት ምስ ኣሰልጣኒት ኩዕሶ ስኪዔት ደቂ ተባዕትዮ ፍናን ኣተወብርሃን

ኤርትራዊት ጀርመናዊት ፍናን ኣተወብርሃን ተሓጋጋዚት ኣሰልጣኒት ጋንታ ኩዕሶ ስኪዔት ደቂ ተባዕትዮ ኪጋሊ ታይገርስ'ያ።

ፍናን ነዛ ጋንታ ኪጋሊ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ተሰልጥን ዘላ ክትከውን ከላ ኩዕሶ ስኪዔት ግን ካብ ንእስነታ ጀሚራ ትጻወት ከምዝነበረትን ንሞያ ኣሰልጣኒነት ድማ ጓል 16 ዓመት ኮይና ከምዝጀመረቶ ትገልጽ።

ፍናን ብተወሳኺ ኣብ ሞያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ'ውን ከም ፕሮጀክት ማናጀር ትነጥፍ።

ካብ ኣውሮጳ ናብ ኣፍሪቃ ብምኻድ ኣሰልጣኒት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኮይና ኣብ ትሰርሓሉ ዘላ ሕጂ እዋን ንዘሎ ኩነታትን ሓፈሻዊ ተመክሮኣን ብዝምልከት ኣዘራሪብና'ያ ኣለና።