ኣስመራ - ፈላማይ ሓባራዊ ኣይሮቢክስ ተኻይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ብምኽንያት 27 መስከረም ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ቱሪዝም፡ ብሚኒስትሪ ቱሪዝምን ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝም ኤርትራን ዝተወደበ ሓባራዊ ኣይሮቢክስ፡ ሰንበት 22 መስከረም ንግሆ ኣብ ኣስመራ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ተኻይዱ። ኣብዚ “ቱሪዝምን ሰላምን” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ሓባራዊ ኣይሮቢክስ፡ ኣብ ኣስመራ ካብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ መግብን መስተን ካልእ ቱሪዝማዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዝመጽኡ ሰራሕተኛታትን ወነንትን ካልኦት ግዱሳትን ተሳቲፎም።