ማራቶን ኣስመራ 2023 ብዓወት ኤርትራውያን ኣትሌታት ተዛዚሙ

ብሃገራዊ ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ዝተወደበ ማራቶን ኣስመራ 2023ን ሓባራዊ ጉያን ትማሊ ሰንበት 11 ሰነ 2023 ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ኣስመራ ተኻይዱ።

ኣብ’ቲ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ጀሚሩ ኣብኡ ዝተዛዘመ ናይ 42 ኪ.ሜ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር፡ኤርትራዊ ናሆም ኤርሚያስ፡ንውድድሩ ብ2፡14፡22 ብምዝዛም ቐዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።ኡጋንዳዊ ቤን ቼሊሞን፡ ኤርትራዊ ክብሮም ገብረዝጋብሄር ከኣ ካልኣይን ሳልሳይን ብምኳን ውድድሮም ዛዚሞም። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ደረጆም፡6 ሽሕ፡4 ሽሕ፡2 ሽሕ ዶላር ተሸሊሞም።

ናሆም ካብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያ፡ኬንያ፡ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ዝተወዳዳሩ ሓያላትን ምኩራትን ኣትሌታትበሊጹ’ዩ ሓዲሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ።

ኣብ’ቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ 10 ኪ.ሜ ውድድር ከኣ ፡ኣብ መንጎ ናዝሬት ወልዱ፡ራሄል ዳኒኤልን ዶልሽ ተስፋይን ዓቢ ህልኽ ዝተራእየሉ ውድድር’ዩ ነይሩ።ኣብ መወዳእታ ራሄልን ናዝሬትን ድሕሪ ዝገበረኦ ሓያል ጥምጥም፡ ራሄል ቀዲማ ሕንጻጽ ብምርጋጽ ቐዳመይቲ ኮይና ክትዕወት ከላ፡ ናዝሬት ካልኣይቲ ዶልሺ ተስፋይ ከኣ ሳልሳይቲ ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።ነፍስ-ወከፈን ከኣ ከከም ደረጅኤን 15 ሽሕ ፡10 ሽሕ፡7 ሽሕ ናቕፋ ተሸሊመን።

እቲ ውድድር ንፋስ ዝዓብለሎ በዳሂን ብምንባሩ ገለ ኣትለታት ውድድሮም ኣቋሪጾም እዮም።

ብዘይ'ካ እዚ 2 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ናይ አካለ ጉዱኣት ውድድርን ፡ ካብ ከባብ ሲቲ ፓርክ ተበጊሱ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተዛዘመ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣስመራ ዝተሳተፈዎ ሓባራዊ ውድድር ጉያ’ውን ተኻይዱ’ዩ።ኣብ’ዘን ውድድራት ንዝተዓወቱ ተሳተፍቲ’ውን ናይ ገንዘብ ሽልማት ተዓዲሉ’ዩ።

እዚ ድሕሪ ናጽነት ዓመታዊ ዝካየድ ዝጀመረ ውድድር ማራቶን፡ንሓያለ ዓመታት ብማራቶን ናጽነት ክጽዋዕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ከብ 2016 ግን ማራቶን ኣስመራ ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ ክካየድ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ19 ንሰለስተ ዓመታት ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ዓመት ንመበል ራብዓይ ግዚኡ እዩ ተኻይዱ። ምስ ውድ ር ማራቶን ኣስመራ መዓልቲ ኦሎምፒክ’ውን ተዘኪሩ’ዩ።