ሃገራዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኤርትራ 2024 ተኻዪዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ሃገራዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኤርትራ 2024፡ ሰንበት 20 ጥቅምቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ከተማ ደቀምሓረ ተኻይዱ። ኣብዚ 21 ኪ/ሜ ዝሸፈነ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ኣትለት ዞባ ደቡብ ኣፈወርቂ ብርሃነ ንውድድሩ ብ01’ 04” 03 ብምዝዛም ተዓዊቱ። ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፓራኦሎምፒክ ናይ 5 ኪ/ሜ ናይ ዊልቸር ውድድር ድማ፡ ምኩር ተቐዳዳማይ ስብሃቱ ከሰተ ቐዳማይ፡ ቴድሮስ ኣረጋይ ካልኣይ፡ ተስፋሂወት ተኽለ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም።