ጸባን ውጽኢቱን ኣብ ኤርትራ -- ዕድላትን ማሕንቖታትን

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ልምዓት ጸባን ውጽኢቱን ዘተኮረ ሃገራዊ ዋዕላ “ምምዕባል ሰንሰለት ወሰኽ ክብሪ ጸባ” ብ21ን 22ን ለካቲት ኣብ ኣስመራ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ተቓኒዑ። ኣብዚ ንኤርትራ ሓዊሱ ካብ ሸውዓተ ሃገራት ዝተዋጽኡ ክኢላታት ዝተረኽቡሉ ዋዕላ፡ ተመኵሮ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ኣፍረይቲ ሃገራት ብዛዕባ ክወስደኦ ዘድሊ መንገዲ ዘትዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ መጽናዕታዊ ወረቐት ብዛዕባ ኣፍራይነት እቲ ጽላት ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዘቕረበ ኣቶ ተስፋይ ጸጋይ’ዩ ነይሩ።