ኣብ እዋን 11 መስከረም ክፍፀም ዝኽእል ሸበራዊ ጥቕዓት ከምዘጋጥም ዝሕብር ምልክት የለን ተባሂሉ

ኣብ ወፃኢ ዘለው ኣሜሪካውያን ጥንቃቀ ይግበሩ ተባሂሉ

ምስ ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ ሸበራዊ ጥቅዓት 11 መስከረም ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ዩ-ስ ክፍፀም ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምህላው ዘረጋግፅ ስለላዊ ሓበሬታ ከምዘየለ ምንስቲር ድሕነት ውሽጢ ሃገር ጃኔት ናፖሌቲኖ ኣፍሊጠን።

እንተኾነ፣ዝምልከቶም ወገናት ኣብ ብርቱዕ ክትትል ኣለው ኢለን።ኣንፃር ዩ-ስ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ኣሎ እንተኾይኑ ንምፍሻል ኩሎም ኣካላት ብንቅሓት ይነጥፉ‘ለው‘ውን ይብላ እተን ምንስቲር።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ወፃኢ ዘለው ኩሎም ዜጋታቱ፣ከጋጥሞም ካብ ዝኽእል ጥቅዓት ኣል-ቃይዳ ክከላኸሉ፣ልዑል ጥንቃቀ ንክገብሩ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣጠንቂቁ‘ሎ።

ምንስቴር ወፃኢ ኣብ መግለፂኡ፣ንፁር ስግኣት የለን።እንተኾነ ምስ ኣል-ቃይዳ ዝወገኑ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ዩ-ስን ረብሓኣን መጥቃዕቲ ንምፍፃም ተኽእሎን ድልየትን ከምዘለዎም ኣርእዮም‘ዮም ይብል።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፣ኣል-ቃይዳ ኣብ ኒውዮርክ ማንታ ህንፃታትን ኣብ ፔንታገንን፣ ንዝጨወየን ነፈርቲ ተጠቂሙ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ከምዝቀተለ ዝዝከር‘ዩ።

ራብዐይቲ ነፋሪት፣ግና እቶም ተሳፈርቲ ኣንፃር‘ቶም ፈጠርቲ ራዕዲ ስለዝመከቱ ኣብ ፔንስልቬንያ ተሓምሺሻ‘ያ።