ተኹሲ ዝኸፈተ ዲፕሎማት ኢትዮጵያ፡ ክትሓዝ ብቤት ፍርዲ ዩናይትድ ስቴትስ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

FILE - United States Secret Service police are seen standing in front of the Ethiopian Embassy in Washington Sept. 29, 2014, in connection with a shooting incident at the compound.

እቲ ንዕኡ ዝምልከት ብብረት ክትቀትል ፈቲንካ ዝብል ክሲ ክሳብ 30 ዓመት ዘእስር`ዩ

ዝሓልፈ መስከረም 29, 2014 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ፡ ዝተወሰኑ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ድሕሪ ምእታዎም ፡ ሓላፊ ጸጥታ`ቲ ኢምባሲ ዝነበረ ወዲ 46 ዓመት ኣቶ ሰሎሞን ታደሰ ገብረስላሰ፡ ጠያይቲ ተኩሱ ኔሩ።

Arrest warrant issued for the Ethiopian diplomat

ድሕሪኡ፡ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ንምኽሳሱ ንኽጥዕም፡ ናይ ዘይ-ምኽሳስ መሰሉ ይለዓለለይ ስለዝበለ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ንኣቶ ሰሎሞን ንዓዱ ክሰዶ መሪጹ።

ድሕሩ ዝመጸ ምዕባለ፡ ቤት-ጽሕፈት ዩናይትድ ስቴትስ፡ እቲ ሰብ ንክኽሰስ ካብ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ይተሓዝ ትእዛዝ ረኺበ`ለኹ ኢሉ`ሎ።

ንቪኦኤ ዝተዛረቡ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ወሃቢቓል ቤት-ጽሕፈት ዓቃቢ-ሕጊ ዝኾኑ፡ ቢል ሚለር፡ በቲ ዝተፈጥረ ኹነታት ካልእ ዝተኸሰ ሰብ ከምዘየለ ኣፍሊጦም ኣለዉ።