ዓረና ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣባላተይ ግፍዒ ይፍፀም ኣሎ ይብል

  • ገብረ ገብረመድህን
‘’እቶም ክስታት ዘይጭበጡ እዮም’’ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ዓረና ትግራይ ንዴሞክራስን ልኡላውነትን ኣብዚ ሎም ቅነ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ኣባላተይ ብመንግስቲ ምንክልባትን ምግፋዕን ይፍፀም ኣሎ ይብል።ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ብዛዕብኡ እንትዛረቡ እቲ ምንግልታእ ኣብ ኣዐሪዩ ኣፀጋሚ ብርኪ በፂሑ’ሎ ይብሉ።

ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ሓድሽ በየነ ግን እቶም ዝብሃሉ ዘለው ክስታት ዘይጭቡጣትን ምርትዖ ዘይቀረበሎምን እዮም ይብሉ።ኣቶ ገብሩ ኣስራት ጥርዓኖም ንዝተፈላለዩ ኣካልት መንግስቲ ከምዘቕረቡ ይገልፁ።ኣቶ ሓዱሽ ብወገኖም ሓልፊ ፀጥታን ምምሕዳን ኣነ ስልዝኾንኩ ዋላ ሓደ ጥርዓን ናባይ ኣይቀረበን፡ሕዚ’ውን እንተኾነ ጥርዓኖም እንተቕሪቦም ክነፃርዮ ኢና ይብሉ።ንዝርዝሩ የድምፁ።