ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ጋሞ ወረዳ ኣርባምንጭ ኣብ እትርከብ ቀበሌ በሻራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝተፈፀመ ጎንፂን ኣብቲ እዋን ዘውረዶ ዓብዪ ሓደጋን ብባህላዊ ስርዓት ዕርቂ ንምፍታሕ ኢሎም ዝተኣከቡ ሽማግለታት ዓዲ መንግስቲ ከምዝኣሰሮም ነበርቲ እቲ ኸባቢ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም።
እዚ ባህልን ስርዓትን እቲ ህዝቢ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ነቲ ተግባር ዝፈፀምዎ እቲ ዕርቀ-ሰላም ድሕሪ ምፍፃሙ ምዃኑ'ውን ሓቢሮም።
ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሞ ብወገኑ ቅድም ክብል ብጎንፂ ቀበሌ በሻራ ጠርጢረዮም ንዝበሎም 200 ነበርቲ እቲ ቀበሌ ድሕሪ ምእሳሩ ን35 ኣትሪፉ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብነፃ ከምዝሰደዶም ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ነበርቲ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋን ዝተኣሰሩ 44 ሰባት ሓዊሱ ብሓፈሻ 79 ሰባት ምኽንያት መእሰሪኦም ከይተነገሮም ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብ ክልተ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ርእይቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ ይገልጹ።
ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንዝቐረበ ክስን ነቐፌታን ኣመልኪትና መልሲን ተወሳኺ ሓበሬታን ንምርካብ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ሰላምን እቲ ዞባ ወንድሙ ኩንሳን ኣዛዚ ፖሊስ ኮማደንር ደግፌ ደበላን ንምዝርራብ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጠን።
እታ ቀበሌ ምስ ከተማ ኣርባምንጭ ክትፅንበር ንዝወፀ መምርሒ ስዒቡ ዝተላዕለ ጎንፂ ንሕልፈት ሸውዓተ ሰባት ምኽንያት ምዃኑ፣ 15 ሰባት ምቁሳሎምን ንብረት ምዕናውን ኣብቲ እዋን ካብ ነበርትን ፖሊስን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብምጥቃስ ምቅራብና ዝዝከር እዩ።