ዋሽንግተን —
ኣንጎላ ነቲ ንኣስታት ኣርባዕተ አሰርተ ዓመታት መራሒኣ ዝነበሩ ፕረዝደንት ጆስ ሳንቶስ ዘይሳተፍሉ ታሪኻዊ ምርጫ ጽባሕ ረቡዕ 23 ነሓሰ,2017 ዓ.ም ከተኻይድ’ያ።
እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርትን ናይ ነዊሕ እዋን ተቓዋሚ ፓርቲ ተሪር ውድድር ዝተራእየሉ ክኸውን ከሎ ነቲ ቀንዲ ሃብቲ እታ ሃገር ዝኾነ ነዳዲ’ውን ኣብ ሕቶ ዝኣትው እዩ።
Your browser doesn’t support HTML5
ፕረዝደንት ጆስ ኤድዋርዶ ሳንቶስ ድሕሪ 38 ዓመታት ካብ ስልጣኖም ክወርዱ እዮም፡ ሓሙሽተ ፓርቲታት ድማ ንገዛኢ ፓርቲ ካብ መዝነት ንምውራድ ኣብ ከቢድ ውድድር ይርኸቡ።
ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር እዋን ንውጽኢትን መስርሕ ምርጫ እዚ ዓመት ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ምኳኑ ይገልጹ።