ፖለቲካዊ ትንታነ ህውሓት (1ይ ኽፋል)

  • ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ውሽጢ ህውሓት ዝተኻየደ ጋምጋም፣ነቐፌታን ምቅይያራት መሪሕነትን ተስፋ ሂቡና’ሎ ይብሉ ቅድም ክብል ብጋዜጠኝነትን ደራሲን ኮይኑ ንነዊሕ ዝሰርሐ፣ካብዚ ቐረባ ዓማውቲ ንድሓር ድማ ምስ ኣብ ናይ ኢትዮጵያያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓላፊ ምምርማር ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሓ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲን ዋና ኣሰናዳኢ መፅሄት ውራይና ኣቶ ጌታቸው ኣረጋውን።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ክፍሊ ፖለቲካዊ ሳይንስን ስትራተጂያዊ መፅናዕቲ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዶክትረት ዲግሪ ትምህርቱ ኣብ ምክትታል ዝርከብን ኣቶ ገብረመድህን ገብረሚካኤል ግን "ኣዚና ተሃንጢየ ዝተፀበናዮ እዋን ስለዝሓለፈ ዝፈጠረለይ ስምዒት የለን’’ይብል።

ድሕሪ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ዝወፀ መግለፂ ክንድ'ቲ ብልሑ እቶም ካብ ስልጣን ዝወረዱ ኣባላት ኣመራርሓ እንታይ ተባሂሎም ከምዝተገምገሙ ክቕመጥ ነይሩዎ ይበሉ ኣቶ ገብረመድህን ገብረሚካኤልን ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣረጋውን።ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ ግን መግለፂ ስለዝኾነን እቲ መግለፂ ድማ ፅሟቕ ናይቲ ገምጋም ብምዃኑን ኣብቲ ገምጋም ነቲ ላዕለዋይ ስትራተጂያዊ መሪሕነት ጉድለቱ ብትሪ ስለዝርኣየ ካብዚ ዝርዝርን ፍትሕን ኢሉ ክቕረብ ከምዘይገመተ ይገልፁ።

እቲ መሪሕነት ንባዕሉ ክእርም ዘኽእሉዎ መሰረታዊ ነገራት ዓፊኑ ስለዝሓዘ ናብዚ ደረጃ እዚ ከምዝወረደ ጋዜጠኛ ጌታቸው ይገልፅ።ኣርባዕተ ቀንዲ መሪሕነት እቲ ውድብ ንኹለን መሓውራት ዓፊኖም ዝሓዝሉ ነይሩ፤ሓደ ኣባል ኣመራርሓ ካብ ሓላፊነት ቤት ፅሕፈት ህውሓት ክሳብ ኣቦ መንበርነት ቦርድ ትእምት፣ቦርድ ዩኒቨርስቲ መቐለ፣ቦርድ ናይ ኩለን ሚዲያታት ከምዝነበረ ይገልፅ ጋዜጠኛ ጌታቸው።

ምሉእ ትሕዝቶ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፖለቲካዊ ትንታነ ህውሓት 1ይ ኽፋል

ንትእምነት ዝመርሕ ሰብ ናይ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝብል ጥምረት ጠቕላላ ኣቦ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ኣቦ ወንበር ህውሓት ከምኡ እውን ኣቦ መንበር ቦርድ ማረት ከምዝኾነን ናይ ማረት ሓላፊ ድማ ኣቦ መንበር ቦርድ ደደቢትን ማሕበር ሓረስቶት ትግራይን ከምዝኾነን ኩሉ መሓውራት ኣብ ኢድ ውሱናት ሰባት ከምኣተዋ ይገልፅ።